ንሓደ ሰሙን ክኽበር ዝቐነየ ዓለም ለኸ መዓልቲ ነርስታት ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ተዛዚሙ።

 ንሓደ ሰሙን ክኽበር ዝቐነየ ዓለም ለኸ መዓልቲ ነርስታት ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ተዛዚሙ።
ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ነርስታት “ነርስታትና መፃኢና፣ ቁጠባዊ ሓይሊ ክንክንን” ብዝብል ቴማ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ብዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ኣብ ኮምፕርሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር እናተኸበረ ዝፀንሐ መዓልቲ ነርስታት 2016 ዓ/ም ሎሚ ጉንቦት 03/2016 ዓ/ም ብዕሊ ተዛዚሙ። እቲ በዓል ካብ ኣደባባይ ሮማናት ብኣደባባይ ዘስላሴ፣ ብእንዳ ገብረመንፈስ ቅዱስ ቤተ-ክርስቲያን ኣቢሉ ብማርሽ ባንድ ኦርኬስትራ ትግራይን ብሰብ ሞያ ነርስን ተዓጂቡ ናብ ሆስፒታል ዓይደር ናይ እግሪ ጉዕዞ ዝተገበረ ኮይኑ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ድማ ነቲ በዓል ዝምልከቱ ምድላዋት ተኻይዶም እዮም።

ንሓደ ሰሙን ዓለም ለኸ መዓልቲ ነርስታት ሆ2 ዓ3
ነቲ ዕለት ዝምልከት መልእኽቲ ዘሕለፉ ዋና ዳይሬክተር ስራሕ ኣካያዲ ኮሌጅ ጥዕና ሳስይንስ ዶ/ር ክብሮም ገ/ስላሴ ብነርስታትና እናተሰርሑ ዝቐነዩ ብሉፃት ስራሕቲ ኣብነት ብምውሳድ ንቐፃሊ ብዙሕ ስራሕ ምስራሕ ከምዝከኣል ኣርእዩና እዩ ብምባል ዝበለፀ ዝገብሮ ድማ ኣብ ምምሃር ምስትምሃርን ምሕካምን ዘለዉ ሰብ ሞያ ነርስ ተናቢቦም ምስራሕ ምኽኣሎም ካልኦት ሞያታት’ውን ብተመሳሳሊ ሓቢርካን ተናቢብካን ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊፆም። ነርስታት ናይ ሆስፒታል ጥራሕ ዘይኮኑስ ብኣውርኡ ናይ ስርዓት ጥዕና ዓንዲ ሑቐ እዮም፡ እቲ ስርዓት ጥዕና እንትዕወት ይኹን እንትወድቕ ምስኡ ሓቢሩ ዝዕወትን ዝወድቕን እዩ። ኣብ ምውሓስ ቁጠባ ዓዲ’ውን ናይ ባዕልና ኣስተዋፅኦ ክንገብር ከምዝግባእ ወሲኾም ሓቢሮም።

ንሓደ ሰሙን ዓለም ለኸ መዓልቲ ነርስታት ሆ ዓ
እንኳዕ ንመዓልቲ ነርስታት ኣብፅሐኩም ክብላ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒተን ዝገለፃ ድማ ምክትል ዋና ክሊኒካል ዳይሬክተር ዶ/ር መስቀሉ ኪዱ እየን። ሰብ ሞያ ነርስታትና ምስቲ ካልእ በዓል ሞያ ብሓባር ኣብዝሓለፈ ኣፀጋሚ እዋን ብፍላይ ወለዶ ዘይርስዖ ታሪክ ሰሪሕኩም ኢኹም። ጀሚርክምዎ ዘለኹም ስራሕ’ውን መምሀሪ እዩ። ሆስፒታልና’ውን መምሀሪን መሐከሚን ስለዝኾነ ንኻልኦት መርአያ ዝኸውን ስራሕ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ ኢለን። ምስ ታሪክ ምኽባር መዓልቲ ነርስታትን ህልዊ ኩነታት ቤት ትምህርቲ ነርስ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ዝምልከት ብተሓባባሪ ፕሮፌሰር ካልኣዩ ኪዳኑን ዶ/ር ገ/ሄር ብሩህን ብዝርዝር ቀሪቦም እዮም።
ብተወሳኺ ንኸባቢ ሓደ ሰሙን ብሰብ ሞያ ነርስታት ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ዝተሰርሑ ምንቅስቓሳት ብዋና ሓላፊት ነርሲንግ ሆስፒታል ዓይደር ሲ/ር ኤደን ካሳሁን ዝቐረቡ ኮይኖም ካብዚኦም ምፅራይ ክፍሊታት ተሓከምቲ፣ ምንክብኻብ ተሓከምቲ፣ ምልጋስ ገንዘባዊ ሓገዝ ንኣዝዮም ዝተፀገሙ ተሓከምቲ፣ ምልጋስ ደም፣ ምርመራታት ሽኮርን ጥዕናዊ ኣስተምህሮን ከምዝርከብዎም ሓቢረን።

ንሓደ ሰሙን ዓለም ለኸ መዓልቲ ነርስታት ሆ2 ዓ
ኣብቲ መድረኽ ንነርስታት ሆስፒታል ዓይደር ብሓፈሻ ንሰብ ሞያ ነርስ ዝምልከት ኣብ ቀፃሊ ክትግበሩ ይግብኦም ዝተብሃሉ ምስ መሃያ፣ ኣብ ስራሕ ቦታ መፅንሒ ህፃናት/Daycare ምድላው፣ ኣስተዋፅኦ ንዝገብሩ ኣፍልጦ ምሃብ፣ ንሰብ ሞያ ዝወሃብ ነፃ ሕክምና፣ ዕድል ትምህርቲ፣ ወዘተ. ዝብሉ ብርክት ዝበሉ ሓሳባት ብተወካሊ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ዓይደር ብነርስ ብርሃነ ሃ/ማርያም ብንባብ ቀሪቦም እዮም።
ዋና ዳይሬክተር ልምዓትን ምምሕዳርን ኮሌጅ ጥዕና ሳስይንስ ሆስፒታል ዓይደር ዶ/ር ሃ/ስላሴ በርሀ ብግድኦም ኣብዚ ሰሙን ብዝሰራሕኽምዎ ስራሕቲ ኣዚና ኮሪዕና ኢና፡ ስለዚ ኩላትና ሓቢርና እንተሰሪሕና ዘይፍታሕ ፀገም የለን ምስበሉ፤ ብተወካሊ ሰራሕተኛታት ተጠሚሮም ዝቐረቡ ሕቶታት’ውን ፅቡቓት እዮም፡ ክሳብ ዩኒቨርሲቲና ኣመራርሓ ኢሉውን ክሳብ ፌደራል ሕቶኹም እናቕረብና ኢና ንቐፃሊ’ውን ናይ ጥዕና ማሕበራት ይኹን ኩሉ በዓል ሞያ ብሓባር እናተረዳዳእና እንተሰሪሕና ፍታሕ ክነምፅእ ኢና ክብሉ ገሊፆም።
ኣብ መወዳእታ ንልዕሊ 30 ዓመት ኣብ ሞያ ነርስነት ዘገልገሉ፣ ፍሉይ ኣስተዋፅኦ ዝነበሮም ስራሕቲ ክፍሊን ሰብ ሞያን ሓዊሱ ምስክር ወረቐት የቐንየልና ተበርኪትሎም እዩ።
Build Back Better!
#BuildBackBetter
#mekelleuniversity