31ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ2017

ኣብ ዙርያ መቐለ ካብ ዝርከባ 31 ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 79 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 153 ተምሃሮ ኣብ መቐለ ዩኒቨርስቲ ንምድላው ፈተና 12 ክፍሊ ሓገዝ ትምህርቲ ከምዝግበረሎም ተሓቢሩ።
ሎማዓንቲ ኣብ ኮሌጅ ተፈጥራዊ ሳይንስን ኮምፒቲንግን ኣብ ዝተኻየደ ናይ እንኳዕ ደሓን መፃኹም ፅምብል ዲን እቲ ኮሌጅ ፕሮፌሰር ኣብራሃ ገብረህይወት ከምዝገለፅዎ ቀፂለን ኣብ ዘለዋ 4 ኣዋርሕ እቶም ተምሃሮ ናይ ሒሳብ፣ ፊዚክስ፣ ባዮሎጂን ኬሚስትሪን ዓይነታት ትምህርቲ ብመምህራን እቲ ኮሌጅ ድጋፍ ከምዝግበረሎም ሓቢሮም።