ብክፍሊታት ትምህርቲ ጥበባት ትያትር፣ ሙዚቃን ርእየታዊ ጥበባትን ዝተዳለወ ናይ ስእሊ ኤግዚቢሽን፣ ምርኢት ትያትር፣ ከምኡውን ምርኢት ባህላዊን ዘመናዊን ሙዚቃታት ቀዳም ዕለት 23/02/2017 ዓ.ም ካብ ሰዓት 8:00 ጀሚሩ ኣብ ቀፅሪ ዓዲሓቂ ዝተኻየደ ኾይኑ፤ ኣብ'ቲ ምድላው ኣካደሚክ ምክትል ፕሬዝደንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶ/ር አብዱልቃድር ከድርን ዲን ኮሌጅ ሕብረተሰብ ሳይንስን ቋንቋታትን ዶ/ር ተስፋኣለም ገ/ዮሃንስ ተረኺቦም እዮም።
ካብ'ዚ ብተወሳኺ ካብ ማሕበር ባህሊ ትግራይ፣ ማሕበር ከየንቲ ትግራይን ኻልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዕዱማት ተረኺቦም በቲ ምድላው ሕጉሳት ምዃኖምን ድሕሪ ሐዚ ድማ ምስ'ቶም ክፍሊታት ትምህርቲ ተቐራሪቦም ንምስራሕ ድሉዋት ምዃኖምን ሓቢሮም።
ተምሃሮ ርእየታዊ ጥበባት ብባህላዊን ዘመናዊን ቅድታት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ንዕዱማት ዘቕረቡ እንትኸውን፤ ተምሃሮ ጥበባት ሙዚቃ ብፒያኖ ኣብ 1850ታት ዝተደረሰ ናይ ቤትሆቨን ሲምፎኒን ብባህላዊ መሳርሒታት ሙዚቃ ድማ ባህሊ ትግራይ ዘንፀባርቑ ስራሕቲ ንዕዱማት ኣንጊዶም እዮም። ብተመሳሳሊ ተምሃሮ ጥበባት ትያትር ''ነጋሪ ሓቁ'' ዘርእስቱ ናይ 15 ደቒቓ መነባንብብኻልኣይ ዓመት ተምሃሪን ''ውሎ ገብ'' ዝተሰመየ ብ4ይ ዓመት ተምሃሮ ዝተሰናደአ ትያትርን ናብ ዕዱማት ኣቕሪቦም እዮም።
እዚ ብተምሃሮ እተን ክፍሊታት ትምህርቲ ዝተዳለወ ምድላው ድሕሪ ሐዚ'ውን ብቐፃልነት ከምዝዳለው ሓለፍቲ እተን ክፍልታት ትምህርቲ ገሊፆም እዮም።