ኮሌጅ ሕርሻ ህፀተ ዝናብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ን2ይ ግዜ ንሓረስቶት ሓገዝ ምሩፅ ዘርኢ ጣፍ ኣከፋፊሉ።

 ኮሌጅ ሕርሻ ህፀተ ዝናብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ን2ይ ግዜ ንሓረስቶት ሓገዝ ምሩፅ ዘርኢ ጣፍ ኣከፋፊሉ።
ኮሌጅ ሕርሻ ህፀተ ዝናብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ ሓረስቶት ከባቢ መቐለ ንዘሎ ሕፅረት ዘርኢ ንምቕራፍ 28 ሰነ 2016 ዓ/ም ሓገዝ ምሩፅ ዘርኢ ጣፍ ጌሩ ።
ዲን ኮሌጅ ሕርሻን ህፀተ ዝናብን ዶ/ር ነጋሽ ኣረጋይ ምሩፅ ዘርኢ ጣፍ ቁንጮ ን400 ሓረስቶት ነበርቲ ጣብያታት ሽብጣ፣ ኣይናለምን 1ይ ወያነን ብሓገዝ ንነብሲወከፍ ሓረስታይ ንሓደ ሄክታር ክሽፍን ዝኽእል 15 ኪሎ ከምዘከፋፈሉ ኣብሪሆም።
ሓረሰታይ ትግራይ ብሰንኪ ኩናት ዝነበርዎ ምሩፃት ዓሌታት ዘራእቲ ስለዝሳኣነ ዩኒቨርስቲ መቐለ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዘተኣኻኸቦም ምሩፃት ዘራእቲ ከካፋፍል ምኽኣሉ ኣረዲኦም።
እቲ ሓገዝ ንስድራ ሰውኣት፡ ስድራ ተጋደልትን ንዘርኢ ዝኸውን ዓቅሚ ንዘይብሎም ገባራትን ከምዝተዓደለ ኣነፂሮም።
ቀፂሎም ኣብ ኮሌጅ ሕርሻን ህፀተ ዝናብን ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህርን ተመራማርን ኣይተ ኣለሙ ኣርኣያ እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ምሩፅ ዘርኢ ንቐፃሊ ዓመት እዚ ዕድል ዝረኸቡ ሓረስቶት አፍርዮም ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ሓረስቶት ንኸካፋፍሉ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።
ቅድም ክብል ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ከባቢ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ዩኒቨርስቲ መቐለ መኾኒ ንዝርከቡ 250 ገባራት ምሩፅ ዘርኢ ጣፍ ንነብሲወከፍም 15 ኪሎ ምክፍፋሉ ይዝከር።