ኣብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ስቲም ማእከል (STEM) ናይ ሳይንስ ሼርድ ኮምፓስ ፕሮግራም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንዝተመዝገብኩም ተማሃሮ መፈተኒ ቦታኹምን ወሳኒ ሓበሬታን ከምዝስዕብ ይኸውን።
መእተዊ ፈተና ዝወሃበሉ ዕለት: 09/01/2019 ዓ.ም
ውፅኢት ዝግለፀሉ ዕለት: 14/01/2019 ዓ.ም
መፈተኒ ቦታ:
መቐለ ዩኒቨርሲቲ ዋና ግቢ (አሸጎዳ መምሃሪ ክፍል A-26 ጥቓ መእተዊ በር ዘሎ ህንፃ)
ፈተና ብወረቐት ዝወሃብ ኮይኑ ፕሮግራማውን ታት ትምህርቲ ድማ
እንግሊዝኛ (ቅድሚ ሰዓት)
ሒሳብ (ቅድሚ ሰዓት)
ኬሚስትሪ (ድሕሪ ሰዓት)
ፊዚክስ (ድሕሪ ሰዓት)
ባዮሎጂ (ድሕሪ ሰዓት)
መተሓሳሰቢ:
ተማሃሮ ናብ ፈተና ኣብ ዝቀርቡሉ እዋን ፎቶ ዘለዎ መለለዪ ካርድ / Registration Card ሒዞም ክመፁ ኣለዎም።
ፈተና ዝጅምረሉ ሰዓት 2:30 (ንግሆ) ስለ ዝኾነ ኩሎም ተማሃሮ ቅድሚ ፈተና ምጅማሩ ኣቅድምኩም ኣብ መፈተኒ ቦታ ክትርከቡ ይግበአኩም።
ሰዓት አሕሊፉ ንዝመፅእ ተማሃሪ ዘይንቕበል ምዃንና ንሕብር።
ምስ ሰላምታ