College of Natural & Computational Sciences
STEM center
ቀን / Date: 21/12/2018 ዓ/ም
ምልከታ
ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2019 ዓ/ም ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሳይንስ ሼርድ ካምፓስ ምስ ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣለነ ብምትሕብባር ንመበል 8ይ ግዘ ሓደሽቲ ተማሃሮ ተቐቢሉ ንምምሃር ምድላዋቱ ወዲኡ ይርከብ።
መመዝገቢ ረቛሒ
ኣብ ወርሒ ሰነ 2018 ዓ/ም ኣብ ዝተወሃበ ናይ 8ይ ክፍል ክልላዊ ፈተና ወሲዶም ማእከላይ ውጤት 80% ላዕሊን ዘመዝገቡ ተመሃሮ።
ኣብ ተፈጥሮ ሳይንስ ዓይነታት ትምህርቲ ልዑል ድልየት ዘለዎም።
መመዝገቢ ኹነታት
ኣብ ዘሎኹምሉ ኮይኑኹም ካብ 25 ነሓሰ 2018 ዓ/ም ክሳብ 5 ጳጉሜን 2018 ዓ/ም በዚ ዝስዕብ ኦንላይን መረብ ኣድራሻ ክትምዝገቡ ትኽእሉ ምዃንኩም ንሓብር። ብኣካል ክትምዝገቡ እንተደሊኹም ኣብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ቀፅሪ እንዳኢየሱስ ኮሌጅ ተፈጥሮን ቀመር ሳይንስን ቢሮ ቁፅሪ A51-212 ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትምዝገቡ ትኽእሉ።
መእተዊ ፈተና ዝወሃበሉ:
9 መስከረም 2019 ዓ/ም ሰዓት 2:30 ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዋና ግቢ ውሽጢ
ትሕዝቶ መእተዊ ፈተና: ካብ 7ይን 8ይን ክፍል ስርዓተ ትምህርቲ ዓይነታት ትምህርቲ እንግሊዝኛ፣ ሒሳብ፣ ፊዚክስ፣ ኬሚስትሪን ባዮሎጂን ምዃኑ ንሕብር።
መተሓባበሪ: ዶ/ር ፀጋይ ተስፋይ

Email: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Mobile: 0933974353 / 0914709439